in der Rubrik ምኽርታት ንተጠቀምቲ
DHB – Netzwerk Haushalt, Landesverband Hessen e. V.
ናይ ዓላማ መእተዊ
ምኽርታት ንተጠቀምቲ
ማይ ቡምባ ዝሓሸ ዚስተ ማይ ድዩ ?
ሳጹናት ከይሰሓብካን ኣሰር ካርቦን ዳይኦክሳይድ ከይወሰኽካን ፣ ብቐጥታ ጽሩይ ዝስተ ማይ ትኽ ኢልካ ካብ ቡምባ ክትረክብ እንተዝከኣል እሞ ሕሰብ። ከምዚ ብምግባርካ እውን ኣብ ዓመት ሓያሎ ኣማኢት ዩሮ ክትቁጥብ እንተትኽእል...ዝበለጸ ሓሳብ!
ሳሙና ጸጉርን ድሩቅ ሻምፑን – ኣማራጺታት ሻምፑ ድዮም?
ብዙሓት ሰባት ኣብ መዓልታዊ ሕይወቶም ዝጥቀሙሉ ፕላስቲክ ንምንካይ ይሓስቡ። ኣብ መዓልታዊ ሕይወት ብብዝኂ ንጥቀሙሉ ነገራት እንተጀመርና ከመይ ይመስል? ንኣብነት ናይ ቆልዑ መሕጸቢ ጌል ፡ ፈሳሲ ሳሙና ወይ ናይ ጸጉሪ ሻምፖ? እዚኦም ብተፈጥሮኣዊ ፍርያት መመላኽዒ ክቅየሩ ይክእሉ እዮም። ይኹን እምበር፡ ገና መብዛሕትኡ ግዜ ብፕላስቲክ : ብጥርሙዝ ወይ ብቱቦ መዕሸጊ ይቐርቡ እዮም። ግን ኣብዚ እውን ዝሓሹ ኣማራጺታት ኣለዉ።
ኣብ መመላኽዕን ኣብ ባሕርን ዝርከብ ዝደቀቀ ባእታ ናይቲ ፕላስቲክ
ኣብ ባሕሪ ዚርከብ ፕላስቲክ ፡ እተፈላለየ ዝዓቐኑ ፕላስቲክ ዝሓዘ ዓብዪ ጐሓፍ ፡ ከምኡ እውን ሰፊሕ ዝርግሐ ዘለዎ ዝደቀቀ ባእታ ናይቲ ፕላስቲክን ፡ ኣብ ውቅያኖሳትና ዘተሓሳስብ ኩነታት እዩ።
ናብ ካውሎ ንቀዳደም - ኣብ ግዜ ቘራሪ ወቅቲ (ክረምቲ) ናይ ኣመጋግባ ምኽሪ
ካውሎ ኣብ ቘራሪ ወቕቲ ዝፈሪ ሓደ ካብ ኣሕምልቲ እዩ። ኣብ መወዳእታ ቀውዒ ስለ ዝበስል ብቐሊሉ እዩ ዚኽዘን። ስለዚ ኣብ ብምሉኡ ክረምቲ ክርከብ ይከኣል እዩ። ካውሎ "ብሉጽ ምግቢ" ዝብል ስያመ ብርግጽ ዝግብኦ ኢዩ። ጻዕዳ ቀይሕ ወይ ቀጠልያ ካውሎ ይኹን ብዘየገድስ ፣ ወላ ብሮኮሊ ወይ ካውሎ ፎዮሪ ኩሎም ብዙሕ ጽሕጊ ፣ ቪታሚናት ፣ ማዕድናት ከምኡ እውን ካብቲ ኻልኣይ ደረጃ ዚስራዕ ኣትክልቲ ዚበሃል ንጥረ-ነገራት ዚውንን ኣገዳሲ መሪር ንጥረ-ነገራት ዝሓዘ እዩ።
ሓደጋ ሓዊ - እቲ ኣትሒትካ ዝግመት ሓደጋ ናይ ሻሂ መብራህቲ ሽምዓ
እቲ ብመልክዕ ልቢ ወይ ከዋኽብቲ እተሰርሑ መብራህቲ ሻሂ ኣዝዮም ምልኩዓት ኢዩም ዝመስሉ ። ብሓቀኛ ትርጉም ናይቲ ቃል ግን ኣዝዮም ሓደገኛታት እዮም።
ቀጻሊ ክንክን ምሕጻብ ክዳውንቲ
ብውሕልነት ዝግበር ክንክን ክዳውንቲ ፡ ኤለክትሪክ ማይን መጽረዪ ክዳዉንትን ብቀሊሉ ትቁጥብ ፡ ከምኡ ድማ ንኣከባቢን ቁጠባካን ክዕቅብ ይኽእል እዩ ። ብምኽንያት "ቀጻሊ ምሕጻብን ጽሬትን" ዝብል ናይ ጐስጓስ መዓልቲ ከባቢ 10 ግንቦት፡ ኣብ መርበብ ስድራቤታት DHB ዝወሃብ ምኽሪ ተጠቀምቲ እውን ኣብዚ ኣርእስቲ'ዚ ኣተኲሩ ይሰርሕ ኣሎ።
ናይ ሽምዓ ግዜ - ንንውሕ ዝበለ ካብ ብርሃን ዝርከብ ሓጐስ
ሽምዓ ንምድላው ወይ ንምስራሕ ዝሕግዝ ጥረ ነገራት ፣ ኣብ ዋጋ ፣ ናይ ምንዳድ ባህሪ ፣ ሽታን ከምኡውን ናይ ኣገልግሎት ዕድመን ይጸልዎ እዩ። እቶም ኣዝዩ ሕሱር ኣቕሑ ዝመርጹ ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ኻብቲ ኻብ ምጽራይ ነዳዲ ዚስራሕ ዘይቲ ፓራፊን እዩ ዝስራሕ። ነቲ ሕማቕ ጨና ንምሽፋን ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ተፈጥሮኣዊ ጥረ ነገራት ይሕወሶ። እዚ ኸኣ ዋጋኡ ጥራይ ዘይኰነስ ጽሬቱ እውን ይውስኽ ። ካብ ጽሩይ ስቲሪን ወይ ስምዒ ንህቢ እተሰርሐ ሽምዓ ክስራሕ እዩ ዝምከር።
ሕጊ ሥርዓት ንስድራቤታት
ብሰንኪ ኮሮና ዘስዓቦ ቅልውላው ፡ ናብራ ስድራቤት እውን ተሃስዩ እዩ። እቲ ኣገዳሲ ፡ ብዛዕባ ሥርዓትን ምጽራይን ዝምልከት ፡ ክትዓት ክህሉ የብሉን ። ኣብ ስድራቤት ፡ ሠላም ንኽህሉ ዝሕግዙ ገለ ምኽርታት እነሆ።