Beitrag ብኢ-ሜይል ውዕላት ምቁራጽ?

ብኢ-ሜይል ውዕላት ምቁራጽ?

ካብ ጥቅምቲ 2016 ጀሚሩ ብዙሓት ውዕላት ብኢ-መይል(E-Mail)፡ ኤስኤምኤስ(SMS)፡ ፋክስ ወይ ብመልእኽቲ ብምስዳድ (Chat) እውን ክቋረጹ ይኽእሉ።

ካብ ጥቅምቲ 2016 ጀሚሩ ብዙሓት ውዕላት ብኢ-መይል፡ ኤስኤምኤስ፡ ፋክስ ወይ ቻት መልእኽቲ እውን ክቋረጹ ይኽእሉ።

እቲ ናይ ውዕል መሻርኽትኻ እቲ ምቁራጽ ብሓቂ ካባኻ ከም ዝመጸ ክትፈልጥ ምኽኣል ኣገዳሲ እዩ። ስለዚ ምስኦም ዝተዓቀበ ኢ-መይል ኣድራሻ ተጠቐም ፣ ውዕልን ቁፅሪ ዓሚልን ምግላጽ ኣይትረስዑ። በቲ ዘመልከትካዮ መሰረት፡ ኣየናይ ውዕላዊ ዝምድና ከተቋርጽ ከም እትደሊ ንመሻርኽትኻ ንጹር ክኸውን ኣለዎ። እዚ ድማ እቲ ውዕል ፣ ዝቋረጸሉ ዕለት ዝጠቅስ ብጽሑፍ ክወሃበካ ሕተት ፣ ምእንቲ ናይ ምቁራጽ ምልክታኻ ኣብ እዋኑ ከም ዘመልከትካ ንምርግጋጽ። ቅድሚ ናይ ውዕል ግዜ ምዝዛሙ ፣ ኣብ ግዚኡ ክትስርዞ ኣለካ ፣ ምእንቲ መሻርኽትኻ ንኢ-መይልካ መልሲ እንተዘይሂብሉ ፣ ገና ብደብዳቤ ወይ ናይ ምምላስ ቅብሊት ምእንቲ ክትሰድድ ክትኽእል።

ይኹን እምበር፡ ኩሎም ውዕላት ሕጂ’ውን ብኢመይል ክቋረጹ ኣይክእሉን እዮም። ቅድሚ ጥቅምቲ 2016 ንዝመጹ ውዕላት፡ ብጽሑፍ መልክዕ ምቁራጽ እኹል ድዩ ኣይኮነን ንምርኣይ ፡ መምርሒ ናይቲ ውዕል ከተንብቡ ኣለኩም። ብተመሳሳሊ ውዕላት ክራይን ስራሕን ከምኡ እውን ብኖታሪ ዝተሰርሑ ውዕላት ብኢ-መይል ክቋረፁ ኣይክእሉን።

Newsletter abonnieren

des DHB – Netzwerk Haushalt, Landesverband Hessen e. V.