in der Rubrik ምኽርታት ንተጠቀምቲ
DHB – Netzwerk Haushalt, Landesverband Hessen e. V.
ናይ ዓላማ መእተዊ
ምኽርታት ንተጠቀምቲ
ድንሽ ክሳብ ክንደይ ጥዕና ዘለዎ እዩ?
ኣብዚ እዋን ብመንገዲ መራኸቢ ብዙሃን ኣቢሉ እዚ ዝስዕብ ኣርእስቲ ይበጽሓና ኣሎ፡ "ድንሽ መርዛም ተኽሊ ናይ 2022 ተባሂሉ ተመሪጹ"። ኣብ ጀርመን ብማእከላይ ገምጋም ኣብ ዓመት ብሓደ ሰብ 20 ኪሎ ድንሽ ይብላዕ ፡ ፍርያት ድንሽ ድማ ልዕሊ ዕጽፊ ይኸውን። ኣብዚ ክሳብ ክንደይ እዩ መርዛም ክኸውን ዝኽእል?
ኣብ ገዛ ጸዓት ምቑጣብ
ናይ ገዛ መሞቂ ፡ ክዳን መሕጸቢ ማሽናት ወይ ናይ ክሽነ መሳሪሕታት፡ ኣብ ገዛ ብዙሓት መሳርሒታት ኃይሊ ኤሌክትሪክ ዝውድኡ ኣለዉ። ይኹን እምበር፡ ሓደ ሓደ መዓልታዊ ልምድታትካ እንተቐይርካ ጥራይ ፡ ብዘይ ብዙሕ ጻዕሪ ጸዓት ክትቆጥብን በዚ ኸምዚ ድማ ወጻኢታት ክትቁጥብን ትኽእል ኢኻ።
መድሕን ናይ ብሽክለታ
ምኽርታት ካብ ኣገልግሎት ምኽሪ ተጠቀምቲ DHB ኣብ ዲቡርግ
ኣብ ናይ ለበዳ ዓመታት ብሽክለታታት ብልዑል ቁጽሪ ከምዝተሸጣ ይፍለጥ። ዋጋታት በንዚን ቀጻሊ ልዑል እንተኾይኑ ድማ ፥ ዕቤት ብሽክለታ ክቕጽል'ዩ - ቀረብ ክቕጽል እንተኽኢሉ።
ስምዒታዊ ኣመጋግባ
እቲ ዝበለጸ ስምዒታዊ መግቢ ናይ ሕፃናት በዓለ ልደቶም ምቁር ሕብስቲ እዩ። እቲ ፍስሃ ዝመልኦ ቆልዓ፡ ምስ ኣዕሩኽቱን ቤተሰቡን ብሓባር ምቁር ሕብስቱ የስተማቕር። ስምዒት ሓጎስ፣ ትጽቢት ዓቢ መዓልትን ጽቡቕ ህያባትን ምስቲ ምቁር ሕብስቲ ዝተኣሳሰር እዩ። እቲ ምቁር ሕብስቲ እውን ብተወሳኪ በዓል እዚ መዓልቲ እዚ እዩ። እታ ቁራስ ምቁር ሕብስቲ መብዛሕትኡ ግዜ ወሳኒት ኣይኮነትን። ግን ድሕሪ ስራሕ ድሕሪ ቀትሪ ወይ ምሸት ኣብ ቅድሚ ተለቪዥን ብሕቡእን ብታህዋኽን ትበልዖ ቸኮሌትከ? ኩሉ ግዜ ድማ ሕማቕ ሕልና ይስዕብ።
ኣብ መግቢ ዝርከብ ታይታንየም ዳይኦክሳይድ ምእጋድ
እቲ ጻዕዳ ቀለም ታይታንየም ዳይኦክሳይድ ክሳብ ሕጂ ኣብ ማስቲካ፡ ፍርያት ሕብስቲ፣ መረቅን ቀመም ሰላጣን፡ ከምኡ እውን ተወሳኺ ቁጽሪ እቲ ባእታ E 171 ይጽሓፍ እዩ።
መዓስን ብኸመይን ናይ ምስራዝ መሰልካ ክትገልጽ ይከኣል?
ብመሰረቱ ውዕላት ምስተፈጸሙ ክኽበሩ ኣለዎም። ምስ ዝተወሰኑ ውዕላት ግን ድሕሪኡ ካብኡ ናይ ምስሓብ ተኽእሎ ኣሎ። ኣብዚ እቲ ተጠቃሚ ናይ ምስሓብ መሰል ኣለዎ።
ንሕፃናት ዝምችእ ኣመጋግባ
ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ “ጥዕና ዘለዎ ኣመጋግባ” ኢና ንዛረብ። ኣብዚ ንስድራቤታትን ብፍላይ ድማ ንሕፃናት ዝኸውን ጥዕና ዘለዎን ዝተመጣጠነ ኣመጋግባን ከመይ ክመስል ከም ዝኽእል ከነርኢ ንክእል።
ምቁጣብ ምስ ናይ ቁጠባ-ፕሮግራም!
ኣብ መሕጸቢ ኣቁሑት ወይ መሕጸቢ ክዳውንቲ ማሽናት ብ መደብ ቁጠባ (Eco-Program) ዝግበር ፡ ኩሉ ክሳብ ዝጸርይ ካብ ሰለስተ ክሳብ ሓሙሽተ ሰዓታት ይወስድ። "ስለዚ ብርግጽ በዚ ፣ ግዜ ኣይትቑጥብን ኢኻ!"፡ ፍሽክ እንዳበለት ሳቢነ ሄንቸል ካብ ኣገልግሎት ምኽሪ ተጠቀምቲ ዲኤችቢ (DHB) ኣብ ዲቡርግ። "ኣብ ምምኽኻር፡ ብዙሕ ግዜ እቲ ክንዳውንቲ ኣዝዩ ረሳሕ ስለዘይኮነ ንምሕጻብ ሰዓታት ይወስድ ዝብል ክትዕ ንሰምዕ ኢና። ምስኡ "ናይ ቈጠባ - ኢኮ ፕሮግራም (Eco-Program) ወይ ቁጠባ - ኢኮ (Eco-) ዝብል መጠወቒ እንታይ ከም ዝገብር ክትፈልጥ ኣለካ።
ኦትስ - ኣብቲ ከባቢ ዚርከብ ብሉጽ ምግቢ
ኦትስ ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ክቡራት እኽሊ እዩ። ብሰንኪ ብዝሕን ዝተፈላለየ ማይክሮ-መኣዛታትን " ብሉጽ መግቢ" ክበሃል ይግበኦ እዩ። ንኣብነት ብዙሓት ቪታሚናት ቢ፡ ሓጺን፡ ዚንክን ካልኦት ኣገደስቲ ማዕድናትን ዝሓዘ እዩ። ጽሩይ ኦትስ ግሉተን ስለዘይብሉ፡ ንኣለርጂ ስርናይ፡ ዘይምጽውዋር ወይ’ውን ሕማም መዓናጡን ካልእን ከይተረፈ ካብ ግሉተን ነጻ ዝኾነ ኣመጋግባ’ውን ዝምችእ እዩ።