in der Rubrik ስድራቤትን ከባቢኦምን
DHB – Netzwerk Haushalt, Landesverband Hessen e. V.
ናይ ዓላማ መእተዊ
ስድራቤትን ከባቢኦምን
ግዴታዊ ዳግማይ ክንጥቀመሉ ንኽእል መዐሸጊን ኣማራጺታትን
ካብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ጀሚሩ፡ ቤት መግብን መስተን፣ ሒዝካዮ ትኸዪድ መግቢ ዝሸጣ ትካላት፡ ብዘይካ ሓደ ግዜ ምስ ተጠቀምካሉ ዝድርበ መዐሸጊ፣ ከምኡ እውን ዳግማይ ክትጥቀመሉ ትኽእል መዐሸጊ ከቕርባ ተገዲደን እየን።
ምቁጣብ ምስ ናይ ቁጠባ-ፕሮግራም!
ኣብ መሕጸቢ ኣቁሑት ወይ መሕጸቢ ክዳውንቲ ማሽናት ብ መደብ ቁጠባ (Eco-Program) ዝግበር ፡ ኩሉ ክሳብ ዝጸርይ ካብ ሰለስተ ክሳብ ሓሙሽተ ሰዓታት ይወስድ። "ስለዚ ብርግጽ በዚ ፣ ግዜ ኣይትቑጥብን ኢኻ!"፡ ፍሽክ እንዳበለት ሳቢነ ሄንቸል ካብ ኣገልግሎት ምኽሪ ተጠቀምቲ ዲኤችቢ (DHB) ኣብ ዲቡርግ። "ኣብ ምምኽኻር፡ ብዙሕ ግዜ እቲ ክንዳውንቲ ኣዝዩ ረሳሕ ስለዘይኮነ ንምሕጻብ ሰዓታት ይወስድ ዝብል ክትዕ ንሰምዕ ኢና። ምስኡ "ናይ ቈጠባ - ኢኮ ፕሮግራም (Eco-Program) ወይ ቁጠባ - ኢኮ (Eco-) ዝብል መጠወቒ እንታይ ከም ዝገብር ክትፈልጥ ኣለካ።
ሳሙና ጸጉርን ድሩቅ ሻምፑን – ኣማራጺታት ሻምፑ ድዮም?
ብዙሓት ሰባት ኣብ መዓልታዊ ሕይወቶም ዝጥቀሙሉ ፕላስቲክ ንምንካይ ይሓስቡ። ኣብ መዓልታዊ ሕይወት ብብዝኂ ንጥቀሙሉ ነገራት እንተጀመርና ከመይ ይመስል? ንኣብነት ናይ ቆልዑ መሕጸቢ ጌል ፡ ፈሳሲ ሳሙና ወይ ናይ ጸጉሪ ሻምፖ? እዚኦም ብተፈጥሮኣዊ ፍርያት መመላኽዒ ክቅየሩ ይክእሉ እዮም። ይኹን እምበር፡ ገና መብዛሕትኡ ግዜ ብፕላስቲክ : ብጥርሙዝ ወይ ብቱቦ መዕሸጊ ይቐርቡ እዮም። ግን ኣብዚ እውን ዝሓሹ ኣማራጺታት ኣለዉ።
ኣብ መመላኽዕን ኣብ ባሕርን ዝርከብ ዝደቀቀ ባእታ ናይቲ ፕላስቲክ
ኣብ ባሕሪ ዚርከብ ፕላስቲክ ፡ እተፈላለየ ዝዓቐኑ ፕላስቲክ ዝሓዘ ዓብዪ ጐሓፍ ፡ ከምኡ እውን ሰፊሕ ዝርግሐ ዘለዎ ዝደቀቀ ባእታ ናይቲ ፕላስቲክን ፡ ኣብ ውቅያኖሳትና ዘተሓሳስብ ኩነታት እዩ።