Beitrag ድንሽ ክሳብ ክንደይ ጥዕና ዘለዎ እዩ?

ድንሽ ክሳብ ክንደይ ጥዕና ዘለዎ እዩ?

ኣብዚ እዋን ብመንገዲ መራኸቢ ብዙሃን ኣቢሉ እዚ ዝስዕብ ኣርእስቲ ይበጽሓና ኣሎ፡ "ድንሽ መርዛም ተኽሊ ናይ 2022 ተባሂሉ ተመሪጹ"። ኣብ ጀርመን ብማእከላይ ገምጋም ኣብ ዓመት ብሓደ ሰብ 20 ኪሎ ድንሽ ይብላዕ ፡ ፍርያት ድንሽ ድማ ልዕሊ ዕጽፊ ይኸውን። ኣብዚ ክሳብ ክንደይ እዩ መርዛም ክኸውን ዝኽእል?

ድንሽ ጥዕና ዘለዎ እዩ። ካርቦሃይድሬት፡ ጽሬቱ ዝተሓለወ ፕሮቲን፡ ቪታሚናት፡ ማዕድናትን ካልኣይ ደረጃ ዝምደቡ ንጥረ ነገራት ተኽሊ ዝሓዙ እዮም። እንተኾነ ብፍላይ ሶላኒን ዝብሃሉ መርዛማት ግላይኮኣልካሎይድ እውን ኣለዎም። እዚኦም ብፍላይ ኣብ ቆርበት ድንሽ ፡ ኣብቲ ዝቦቕለሉ ቦታታት ፡ ማለት ኣብ “ዓይኒ” ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ሓምላይ ቦታታት ይርከቡ። እቲ ተኽሊ ብሰንኪ ምምጋብ ንዝፍጠር ጉድኣት መከላኸሊ ሶላኒን የፍሪ። ልዑል ምውሳድ ግላይኮኣልካሎይድ ተምላስ፡ ውጽኣትን ዋላ’ውን ናይ ሥነ-ኣእምሮ ጸገማትን ከስዕብ ይኽእል። ኣብ ድንሽ ዘሎ ትሕዝቶ ሶላኒን ፣ ብሰንኪ ብዙሕ ብርሃን ይውስኽ ፡ እቲ ድንሽ ድማ ቀጠልያ ይኸውን። ስለዚ ቅኑዕ ምኽዛንን ምድላውን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ፦ ድንሽ ኣብ ጸልማትን እንተተኻኢሉ ድማ ኣብ ኣርባዕተ ክሳብ ሽዱሽተ ዲግሪ ሴንቲግሬድ ምዕቃብ። ኣብ ንቑጽ ቦታ ክዕቀቡ ኣለዎም እምበር ፣ ኣብ ፕላስቲክ ክረጺት ክዕቀቡ የብሎምን ፣ ምኽንያቱ ክዕሱ ስለ ዝኽእል። ዝሑል መኽዘን እንተዘይሃልዩ ቀልጢፉ ክውዳእ ዝኽእል ውሑድ ድንሽ ጥራይ እዩ ክዕደግ ዘለዎ።

“ኣብ እዋን ምድላው ፡ ቀጠልያ ክፋሉ ክኸውን ኣለዎ ፣ ዝተበላሸወ ወይ ዝተበልዔ ክፋሉ ፣ ብቅልጡፍ ክትኣልዮ ይግባእ። ንነዊሕ እዋን ተዓቂቡ ዝጸንሐ ዝበቆለ ድንሽ ክትበልዕ የብልካን" ትብል ክርስቲያን ኣስካሪ ካብ ማእከል ምኽሪ ተጠቀምቲ ዴ.ሃ.ቤ ኣብ ሊምቡርግ። ብዙሓት ክኢላታት ቅድሚ ምብሳል ወይ ድሕሪ ምብሳል ቆርበት ድንሽ ምእላይ ይመኽሩ። ሶላኒን ብሓዊ ምብሳል ኣይጠፍእን እዩ። ብተወሳኺ ፡ ብኦርጋኒክ ዘይዓበየ ድንሽ ፡ ተረፍ መረፍ ናይ ባልዕን ናይ ምዕሳው ባህርይን ክህልዎ ይኽእል። ብፍላይ ነፍሰ-ጾራትን ሕፃናትን ነቲ ቆርበት ካብ ምብላዕ ክቑጠቡ ይግባእ። ዳርጋ ዝኾነ መኣዛታትን ቪታሚናትን የብሉን።