Unsere
Verbrauchertipps

in der Rubrik መሰላት ተጠቀምቲ

Beitrag ውሑስ ናይ ኢንተርነት ዕዳጋ

ውሑስ ናይ ኢንተርነት ዕዳጋ

ብፍላይ ኣብ ኢንተርነት ብሕሱር ዋጋ ሓደ ኣቕሓ ክትገዝእ ስለ እትኽእል ዋጋ ዕዳጋ ዝረኸብካ ይመስለካ። ድሕሪ ሓጺር ግዜ “ናይ ሓሶት ድኳን” ዝበሃል ከም ዝወደቕካ ትግንዘብ። ኣብ ዝኸፍአ ኩነታት ድሮ ኣቐዲምካ ከፊልካ ስለ ዘለኻ እቲ ዝተኣዘዝካዮ ንብረት ኣይመጸካን፡ እንተኾነ ግን እቲ ገንዘብ እውን ኣይምለሰልካን እዩ። ምስቲ ሸያጢ ርክብ ድማ ከቢድ ወይ ዘይከኣል እዩ።

ብፍላይ ኣብ ኢንተርነት ብሕሱር ዋጋ ሓደ ኣቕሓ ክትገዝእ ስለ እትኽእል ዋጋ ዕዳጋ ዝረኸብካ ይመስለካ። ድሕሪ ሓጺር ግዜ “ናይ ሓሶት ድኳን” ዝበሃል ከም ዝወደቕካ ትግንዘብ። ኣብ ዝኸፍአ ኩነታት ድሮ ኣቐዲምካ ከፊልካ ስለ ዘለኻ እቲ ዝተኣዘዝካዮ ንብረት ኣይመጸካን፡ እንተኾነ ግን እቲ ገንዘብ እውን ኣይምለሰልካን እዩ። ምስቲ ሸያጢ ርክብ ድማ ከቢድ ወይ ዘይከኣል እዩ።

እዞም ናይ ሓሶት ድኳናት ዝበሃሉ፡ ናይ ምትላል ድኳናት እውን ክትብሎ ትኽእል ኢኻ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኢንተርነት ንኣዝዩ ሓጺር ግዜ ጥራይ እዮም ዝህልዉ።

ስለዚ ኣብ ኢንተርነት ዕዳጋ ክትገብር ከለኻ ኣየኖት ነጥብታት ኢኻ ከተቕልበሎም ዘለካ?

ጥንቃቐ ክምዚ ዝስዕብ ይምከር:-

• ኣብ ጉዳይ ዘይተለምደ ሕሱር ቀረብ ዕዳጋ  

• ኣብዚ እዋን ብኻልእ መገዲ ዘይርከብ ኣቕሓ ምህላው

• ክፍሊት ኣቐዲምካ ጥራይ ዝከኣል እንተኾይኑ፡ ቅልጡፍ ምትሕልላፍ ወይ ኣብ ዝተረከብካሉ ብጥረ ገንዘብ ።

ነዘን ድኳናት ንመጀመርታ ግዜ ክትፈልጦም ኩሉ ግዜ ቀሊል ኣይኮነን፣ መብዛሕትኡ ግዜ ኣዝዮም ጽቡቓት ቅዳሓት ናይ ፍሉጣት መርበባት ሓበሬታ እዮም። ስለዚ ክትእዝዝ ከለኻ ግዜኻ ክትወስድ እምበር ብናይ ግዜ ጸቕጢ ክትውስን የብልካን።

ቁጽሪ መዝገብ ንግዲን ቁጽሪ ግብሪ መሸጣን ምፍታሽ እንተወሓደ ሕጋዊ ድኳን ከምዘሎ ምልክት ክህብ ይኽእል።

https://www.watchlist-internet.at/fake-shops/ ዝብል ገጽ ብዙሓት ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ድኳናት ተዘርዚሩ ኣሎ።

እቲ ዝበለጸ ውሑስ ኣገባብ ክፍሊት ኣብ ኢንተርነት ብቅብሊት ምዕዳግ እዩ፣ ምኽንያቱ ክፍሊት ዝፍጸም እቲ ኣቕሓ ምስተቐበልካን ምስፈተሽካዮን ጥራይ እዩ። ብቐጥታ ባንክ ምኽፋል እውን ውሑስ እዩ ፣ ምኽንያቱ ብዘይፍቃድ ዝተወስደ ፣ ኣብ ውሽጢ 8 ሰሙን ክምለስ ስለ ዝኽእል። ስለዚ ብርግጽ ምዝውዋር ሕሳብካ ብቐጻሊ ክትፍትሽ ኣለካ።

ብናይ ልቃሕ ካርድ ወይ ብወሃብቲ ኣገልግሎት (ከም ፐይፓል(Paypal), ክላርና(Klarna), ቅልጡፍ ምዝውዋር (sofortueberweisung.de), ወዘተ) ምኽፋል ምሉእ ብምሉእ ውሑስ ኣይኮነን። ኣብዚ ገንዘብካ ንምምላስ ዝግበር ጻዕሪ ዝለዓለ ኮይኑ ቁሩብ ግዜ ይወስድ።

ቅድሚ እቲ ኣቅሓ ምቅባልካ ፣ ኣቐዲምካ ምኽፋል ከም ብባንክ ዝውውር ፡ ኣቅሓ ኣብ ዝተቀበልካሉ ወይ ብዌስተርን ዩኒየንን ማኒግራምን ንዝተኣዘዘ ኣቑሑት ምኽፋል እቲ ዝያዳ ውሕስነት ዘይብሉ መንገዲ እዩ።

ሰብ ኣብ ከምዚ እንተወዲቑ ፣ ንፖሊስ ክሕብር ይግባእ ፡ ብመገዲ ኢንተርነት ብቐጥታ ይከኣል እዩ። ንምምልካት ብዝተኻእለ መጠን ብዙሕ ሓበሬታ ምሃብ ምትሕብባር ኣገዳሲ እዩ። ንሳቶም ድማ ምስ ወናኒ ድኳን ዝተለኣኹ ኢ-ሜይላት ፡ ከምኡ እውን ቅጽበታዊ ስእሊታት ናይቲ ድኳን እውን ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።


ኣብዚን ካልኦት ጉዳያት ተጠቀምቲ ዝምልከት ምኽሪ ብኣገልግሎት ምኽሪ ተጠቀምቲ ኣብ መርበብ DHB ይወሃብ።