Beitrag መጠንቀቕታ ፡- ካብ ኣገልግሎት ዕሹግ ፖስታ ፣ ምትላል ናይ ኤስ.ኤም.ኤስ

መጠንቀቕታ ፡- ካብ ኣገልግሎት ዕሹግ ፖስታ ፣ ምትላል ናይ ኤስ.ኤም.ኤስ

 እቲ መልእኽቲ ከምዚ ዝስዕብ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ "እቲ ዝኣዘዝካዮ ኣቀሓካ ቁጽሪ... ኣብ መንገዲ ኣሎ።" ሓበሬታኹም የድልየና ኣሎ።" ኣብቲ ዝተላእከ መርበብ ኣድራሻ እንተ ጠዊቕካ ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መወዳእታ ኣብ ናይ ምትላል መርበብ ሓበሬታታት ትኣቱ እሞ ኣብ ሞባይልካ ኣዕናዊ ቫይረስ ትረክብ። ድሕሪኡ ኩሎም ኣብ ትሕቴካ ዘለዎ ሰባት እውን ነዚ ኤስ.ኤም.ኤስ ክቕበሉ እዮም። ናይ ኤስ.ኤም.ኤስ መስመር ውዕል ዘይብሉ ልዑል ወጻኢታት ይሓተካ። ዝኾነ ሰብ ብጌጋ ነቲ ኣዕናዊ ቫይረስ ኣብ ዝጸዓነሉ እዋን ፡ BSI (ፌደራላዊ ቤት ጽሕፈት ድሕነት ሓበሬታ) ነታ ሞባይል ካብ መስመር ወጻኢ ክትቅይራ ፡ ነቲ ዶኩመንትካ ናብ ውሑስ ተቐምጦ ፡ ድሕሪኡ ድማ ነታ ሞባይል ናብቲ ና መጀምርታ ናይ ፋብሪካ ኩነታት ክትመልሳ ይመክር። ካብዚ ብተወሳኺ ገበናዊ ክሲ ናብ መደበር ፖሊስ እቲ ከባቢ ክቐርብን ነቲ ወሃቢ ኣገልግሎት ኢንተርነት ክሕበርን ይግባእ።

ካብ ትካላት ምእካብ ዕዳ ዝመጽእ ናይ ምትላል ቴሌፎንን መዘኻኸሪን እውን መሊሱ ከምዝወሰኸ ኣማኸርቲ ተጠቀምቲ ኣስተብሂሎም።

ጥንቑቅን ወሳንን ኩን! ኣገልግሎት ምኽሪ ንተጠቀምቲ  ንዝኾነ እተቅርብዎ ሕቶታት ድሉው ኣሎ።

Newsletter abonnieren

des DHB – Netzwerk Haushalt, Landesverband Hessen e. V.