Unsere
Verbrauchertipps

in der Rubrik ምኽርታት ንተጠቀምቲ

Beitrag ሥርዓተ ንፋስ - መጽረዪ ኣየር ኣቅሓ ወይ መስኮት ምክፋት?

ሥርዓተ ንፋስ - መጽረዪ ኣየር ኣቅሓ ወይ መስኮት ምክፋት?

"ኣየር" ኩሉ ግዜ ኣርእስቲ ኣብ መዓልታዊ እንህቦ ምኽሪ ኮይኑ፡ ብፍላይ ድማ ብሰንኪ እቲ ቀጻሊ ምሕዳስ ኃይሊ ጸዓትን ምሕታም መናድቅ ህንጻታትን ኣገዳስነቱ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። ግን ምስ ኮሮና ከይተረፈ ቀጻሊ ንፋስ ምእታው ዝምልከት ለበዋታት መሊሱ እዋናዊ ኮይኑ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ግዜ ሙቀት፣ ንፋስ ምእታው ብቐንዱ ኦሞዲታ ምውጋድ እዩ ነይሩ። ኣብዚ እቲ ዕላማ ነቲ ኣብ ውሽጢ ገዛ ዝፍጠር ጠሊ ንምእላይን፣ ብዙሕ ሙቐት ከይጠፍአ፣ ንጹሕ ኣየር ንምቕራብን እዩ። ኣብዚ ንሓጺር ግዜ ኣየር ምእታው እቲ ተመራጺ እዩ።

ንክፍልታት (ማእከላት መዕበዪ ህጻናት ሓዊሱ)፡ እቲ ረቛሒ ኣብ ክፍሊ ዘሎ ኣየር   ማእከላይ ትሕዝቶ CO2 ካብ 1000 ፒፒኤም ክሓልፍ ከምዘይብሉ ይምልከት። ብሰንኪ ምውጻእ ትንፋስ ጻዕቂ CO2 እንተወሰኸ፣ ብእኡ መጠን ድማ ናይቶም ተማሃሮ ኣተኩሮኦም ይንኪን ድኻም ይውስኽን። ስለዚ ቬንትሌሽን ክህልዉ ዝግባእ። ኣብ ሓድሽቲ ህንጻታት ወይ ምሕዳስ፣ ብሓፈሻ መካኒካዊ ሥርዓታት ምውጻእ ኣየር ኣለዎም። ኣረጊት ህንጻታት ስሩዕ ምክፋት መስኮት የድልዮም። CO2 ዝበሃል ናይ ትራፊክ መብራህቲ፣ ንፋስ ንምእታው ትኽክለኛ ግዜ ምኳኑ ዘመልክት እዩ። ኣብ ክፍሊ CO2 እናወሰኸ ምስ ከደ፡ ካብ ኣቁሑ ገዛ፣ መንጸፍ ናይ መሬት(ላሚናት) ወይ ካልእ ተመሳስልቲ ዝወጽእ ኬሚካላት እውን ይውስኹ እዮም - ኣብዚ እዋን'ዚ ድማ ብፍላይ ተገዳስነት ዘለዎ - ብኮሮና ቫይረሳት ክብከሉ ዝኽእሉ መተሓላለፊ ኣየር ይውስኹ እዮም። ኤጀንሲ ኣከባቢ ፌደራል ብዛዕባ እዚ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ www.uba.de ኣብ ትሕቲ ቬንትሌሽንን ጥዕናን ብዝብል ዝርዝር ሓበሬታ ይህብ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ መዋእለ ሕፃናት፣ ክፍልታትን ኣብያተ ጽሕፈትን ኣጠቓቕማ CO2 መብራህቲ ትራፊክን መዐቀኒ መሳርሒታትን ምዕባለ ከምዘሎ ርዱእ እዩ። ስቲፍቱንግ ዋረንተስት ኣብ ቀረባ እዋን ነዞም መሳርሒታት ፈቲኑዎም ኣሎ። ጽቡቕ መሳርሒታት ልዕሊ 90 ኦይሮ ይርከብ።

ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣቢሉ፡ ስቲፍቱንግ ዋረንተስት፡ ንመጽረዪ ኣየር ዝኸውን መሳርሒታት ፈቲኑ ነይሩ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ እቲ ትኹረት ገና ኣብ ምእላይ ሽታ ዕንባባታት፡ ዶሮና፡ ትኪ ሽጋራን ፎርማልደሃይድን ካብ ኣየር ክፍሊ እዩ ነይሩ። እቲ ውጽኢት ንሽታ ዕንባባታት ዝበለጸ እዩ ነይሩ። ከነስተብህለሉ ዘለና ነገር፣ እቶም መሳርሒታት ኣብ እንጥቀመሉ እዋን፡ እቶም መጻረዪታት(ፊልተራት) ብቐጻሊ ክቕየሩ ይግባእ። እዚ ድማ ኣብ ግምት ዘይኣቱ፣ ቀጻሊ ወጻኢታት ዘስዕብ ምኳኑ እዩ። ካብ ዝሓለፈ ፈተነ ዝተረኸቡ ሰለስተ ዝበለፁ መጽረዪታት ኣየር ኣብ ቀረባ እዋን ንኮሮና ቫይረሳት ንምፍታሕ ዳግም ተፈቲኖም እዮም። ሓድሽ መጻረዪ ምስ እትጥቀም፣ እቲ ውጽኢት ብቐጻሊ ጽቡቕ እዩ ነይሩ፡ ድሕሪ ዝተወሰነ ናይ ምጥቃም ግዜ ግን እቲ ውጽኢት ዝከፍኤ ኮይኑ። እቲ መደምደምታ፣ ዘይተወደኤ ሓደጋ ገና ከምዘሎ እዩ ነይሩ። ዝዓበየ ቦታን ዝበዝሐ ቁጽሪ በጻሕትን ዝያዳ ሓደጋ ማለት እዩ። እቲ ልሙድ ስጉምትታት፡ ከም ብኃይሊ ንፋስ ምእታው፡ ርሕቀትካ ምሕላውን መሸፈኒ ኣፍንጫን ኣፍን ምግባርን ሕጂ’ውን ይምከሩ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምእታው ኣየርን ዝተጠቕሱ መርመራታትን ካብ ኣገልግሎት ምኽሪ ተጠቀምቲ ኣብ መርበብ ስድራቤታት DHB ኣብ ህንጻ ኣውራጃ ዲቡርግ፡ ብስልኪ 06071 - 881 2072 ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።


ምጭታት ጽሑፍ:-

www.uba.de

https://www.umweltbundesamt.de/publikationen/flyer-besser-lernen-in-guter-luft

https://www.umweltbundesamt.de/publikationen/anforderungen-lueftungskonzeptionen-wohngebaeude

https://www.test.de/CO2-Messgeraete-und-Ampeln-im-Test-Gute-Geraete-gibts-schon-fuer-unter-100-Euro-5709239-0/

https://www.test.de/Luftreiniger-im-Test-5579439-0/