Beitrag ኣብ ገዛ ጸዓት ምቑጣብ

ኣብ ገዛ ጸዓት ምቑጣብ

ናይ ገዛ መሞቂ ፡ ክዳን መሕጸቢ ማሽናት ወይ ናይ ክሽነ መሳሪሕታት፡ ኣብ ገዛ ብዙሓት መሳርሒታት ኃይሊ ኤሌክትሪክ ዝውድኡ ኣለዉ። ይኹን እምበር፡ ሓደ ሓደ መዓልታዊ ልምድታትካ እንተቐይርካ ጥራይ ፡ ብዘይ ብዙሕ ጻዕሪ ጸዓት ክትቆጥብን በዚ ኸምዚ ድማ ወጻኢታት ክትቁጥብን ትኽእል ኢኻ።

መሞቂ ገዛ

እቲ ዝዓበየ ክፋል ወጻኢታት ጸዓት ፥ ማለት 80 ሚእታዊት ናይ ገዛ መሞቂ እዩ። ኣብዚ ብቐለልቲ መለክዒታት ብዙሕ ክትቁጥብ ትኽእል ኢኻ።

እቲ ውዑይ ኣየር ኣብቲ ክፍሊ ብዘይ ገለ ጸገም ክዘዋወር ምእንቲ ፥ ነቶም መሞቂ ገዛ ፥ ብመጋረጃ ፥ ብኣቁሑ ገዛ ወይ ብዝኾነ ጨርቂ ኣይትሸፍኖም።

ብቕልጡፍ ንኽሟሙቅን ኣብ ውሽጢ ዘሎ ማይ ብዝበለጸ ንኽዘዋወርን ፥ እቲ መሞቂ ንፋስ ከኣትዎ ኣለዎ።

እቲ ልክዕ ሙቐት ናይቲ ክፍሊ ጥንቃቀ ክትገብር ኣለካ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዲግሪ ምጉዳል ፡ ኣብ ወጻኢታት መሞቂ ሽዱሽተ ሚእታዊት ትቑጥብ። ንሳሎን ካብ 20 ክሳብ 21 ዲግሪ፡ ኣብ ክሽነ ካብ 18 ዲግሪ፡ ኣብ ሽቓቕ ካብ 23 ዲግሪ፡ ኣብ መደቀሲ ክፍሊ ድማ 16 ዲግሪ እኹል እዩ።

መስኮትን ንፋስ ምእታው

ብዝቀነነ መስኮት ንፋስ ኣይተእቱ ከምኡ መስኮት ድማ ቀጻሊ ኣቅኒንካ ክፉት ኣይትግደፎ። እቲ ናይ ኣየር ምልውዋጥ ትሑት እዩ፣ እቲ መናድቕ ይዝሕልን ኦሞዲታ ክገብር ይኽእል። ንፋስ ንምእታው፡ ነቲ መስኮት ንነዊሕ ደቓይቕ ምሉእ ብምሉእ ክፈቶ፡ በዚ ኸኣ ኣብ መዓልቲ ብዙሕ ግዜ ንፋስ ከም ዝኣተወ ምርግጋጽ። ንፋስ ከተእቱ ከለኻ ነቲ መሞቂ ገዛ ኣጥፍኣዮ።

ሙቀት ዘሕልኹ መስኮታትን ማዕጾታትን ፥ ልዑል ክሳራ ጸዓት ስለ ዘስዕቡ ፥ ብቐጻሊ ክፍተሹ ኣድላዪ እንተኾይኑ ድማ ክትክኡ ኣለዎም።

ኣብ ክንዲ ማይ መሊእካ ምሕጻብ ሻወር ምግባር

ኣብ ገዛ ድሕሪ መሞቂ ክፍሊ ፥ መውዓዪ ማይ ዝበዝሐ ጸዓት ይሓትት። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ መዓልቲ ካብ 30 ክሳብ 50 ሊትሮ ማይ የድልዮ።

ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ደቂቅ ዝሃልኽ ምሉእ ማይ ዝመልኤ መሕጸቢ ኣካላት ፥ ዋግኡ ሰለስተ ዕጽፊ ንሻወር ዝጠፍእ ማይ እዩ ፥ ስለዚ እቲ ሻወር ኩሉ ግዜ ካብ ምሉእ መሕጸቢ ኣካላት ቀዳምነት ክወሃቦ ኣለዎ።

ሻወር ክትገብር ከለኻ ኣብ ግዜ ሳሙና ኣብ ትገብረሉ እቲ ማይ ክጠፍእ ኣለዎ። ከምኡ እውን ኣብ ግዜ ኣስናንካ ምብራሽን ወይ ኣብ ግዜ ምልጻይን እውን ይምልከት። ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ደቓይቕ ኣስታት 20 ሊትሮ ማይ ኣብ ጥቕሚ ከይወዓለ ይጠፍእ።

ናይ ርእሲ ሻወር ንሃልኪ ማይ ብኣስታት 50 ሚእታዊት ይንክዮ፡ እዚ ማለት ድማ ብሰለስተ መንገዲ ትቑጥብ ማለት ፥ ማይ ፥ ርስሓት ማይን ወጻኢታት ጸዓትን።

ሓድሽ ቡምባ ማይ ክትገዝእ ከለኻ ፥ ማይ ዝቑጥብ ሞዴል ኣቓልቦ ግበር። ሓደ መቀያየሪ ዘለዎም ካብቶም ክልተ ዘለዎም ክንጥቀም ዝበለጸ እዩ ምኽንይቱ ኣዝዩ ብዝቐልጠፈ ናብቲ ዝድለ ሙቐት ስለ ዝበጽሑ።

ንዝሑል ማይ ንክመጽእ ፡ ነቲ መቀያየሪ ክሳብ መወዳእታ ንገብሮ ፡ እንተዘይኮይኑ ውዑይ ማይ እውን ክሓልፍ እዩ።

ከምኡውን ርአ፡ https://verbraucherfenster.hessen.de/umwelt-technik/bauen-wohnen/so-kann-der-wasserverbrauch-im-haushalt-reduziert-werden

ምሕጻብን ምንቃጽን

ማእከላይ ረስሓት ዘለዎ ክዳን ፡ ብፍሉሕ ምሕጻብን ቅድመ-ምሕጻብን ዑደት ኣይትጠቐም ከምኡ ድማ እኹል ብዝሒ ሕጽቦ ክዳውንቲ ከነእትወሉ ኣለና።

ኦሞ ፥ ከም ትሪ ናይቲ ማይን ከም ርስሓት ናይቲ ክዳንን መጠን ክንገብረሉ ኣለና።

እንተተኻኢሉ ንፋስን ጸሓይን ንመንቀጽ ክዳውንቲ ተጠቐመሉ፣ መንቀጺት ካብቶም ዓበይቲ ኃይሊ ኤሌትሪክ ዝበልዑ ኣብ ገዛ እዮም። ሙቀት ዝምንጩ መንቀጺ ማሽን ካብ ንፋስ ዝኣትዎ ወይ ኮንደንስር መንቀጺ ማሽን ዝያዳ ጸዓት ዝቁጥቡ እዮም።

ዝርዝር ናይ ጸዓት ዝቑጥቡ ናይ ገዛ መሳርሒታት ካብ ኣገልግሎት ምኽሪ ተጠቀምቲ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ምዝሓልን ምብራድን

ፍሪጅን ፍሪዘርን 24 ሰዓት ኣብ ጥቕሚ ስለዘለዉ ብዙሕ ጸዓት ይሓትት።

ፍሪጅን ፍሪዘርን ኣብ ዝሑልን ጽቡቕ ንፋስ ዝኣትዎን ቦታ ኣቐምጦም።

ንፍሪጅ 7 ዲግሪ ንፍሪዘር ድማ -18 ዲግሪ ሙቐት ግበሮም።

ኣብ ፍሪጅ መግቢ ብመሰረት ዘድሊ መዝሓሊ ዞባታት ኣሰናድዎ።

ዝዘሓለ መግቢ ጥራይ ኣብ ፍሪጅ ኣእትዎ።

ማዕጾ መዝሓሊ ፍሪጅ ንሓጺር ግዜ ጥራይ ክፈቶ። ምእንቲ እቲ ማዕጾ ሓንሳብ ጥራይ ክትከፍቶ ፥ ድሕሪ ምምጋብካ መጀመርታ ነቲ ክዝሕል ዝግበኦ መግቢ ኣክቦ ፥ ድሕሪኡ ብቕልጡፍ ኣብ ፍሪጅ ኣእትዎ።

ምድላይን ማዕጾ መዝሓሊ ፍሪጅ ንዘየድሊ ነዊሕ ግዜ ክፉት ምግዳፍን ምእንቲ ክትድሕን ፥ ድሕሪ ምሽማትካ ኣብ ፍሪጅ ፈላሊኻ ኣቀምጦ።

ኣብ ፍሪጅ 5 ሚ.ሜ ርጉዲ ዘለዎ በረድ ፥ ንሃልኪ ኃይሊ ኤሌትሪክ ብኣስታት 30 ሚእታዊት ስለዝውስኽ ፣ ብቐጻሊ እቲ በረድ ኣውጽእዎ።

ኣብ ፍሪጅ ወይ ፍሪዘር ዘሎ በረድ ንምልጋስ ፡ መጀመርታ ነቲ ኤሌትሪክ ናይታ ፍርጅ ኣውጸኣዮ ፡ ድሕሪኡ ነቲ መግቢ ኣውጺእካ ኣብ ዝሑል ቦታ ኣቀምጦ። እታ ፍሪጅ ውሑድ መግቢ ጥራይ ትሕዘሉ ግዜ ክንጥቀም ዝበለጸ እዩ። ጽቡቅ ዝዝሓሉ ኣብ መዝሓሊ ሳንዱቕ ምቕማጥ። ኣብቲ በረድ ክለግስ ዝድለ ቦታ ሓደ ወይ ልዕሊኡ ውዑይ ማይ ዝሓዘ ድስቲ ኣቐሚጥካ ፥ ንኣስታት 10 ደቓይቕ ማዕጾ ተዓጽዩ ግደፎ። ብድሕሪኡ ተረፍ በረድ ብቐሊሉ ክእለ ይኽእልን እቲ መሳርሒ ጸርዩ ዳግማይ ዝዝሕል ነገራት ከነቀምጠሉ ንኽእል።

ምኽሻንን ምስንካትን

እቲ ዕቤት ናይቶም ድስትታት ምስቲ ዕቤት ናይቲ ምድጃ ክሰማማዕ ኣለዎ።

ምእንቲ ዝኾነ ሙቐት ከይወጽእ ፥ እቲ ድስቲ ብጽቡቅ ከዲንካ ጥራይ ምብሳል።

ንነዊሕ ናይ ምብሳል ግዜ ንዘለዎም መግብታት ፥ ብቅልጡፍ ዘብስሉ ድስትታት ተጠቐም ፣ እዚ ድማ 30 ሚእታዊት ኃይሊ ኤሌክትሪክን ፍርቂ ናይቲ ናይ ምብሳል ግዜን ትቑጥብ። እቲ ናይ ምብሳል ግዜ ቅድሚ ምዝዛሙ ገለ ደቓይቕ ፡ ነቲ ምድጃ ኣጥፊእካ ነቲ ተረፍ ሙቐት ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ።

ቅሩብ ማይ ንምውዓይ ፥ መውዓይት ማይ ምጥቃም ካብቲ ኣብ ምድጃ ኣብ ድስቲ ምውዓይ ኣዝዩ ዝያዳ ጸዓት ይቑጥብ።

ንእሽቶ መግቢ ንምውዓይ እውን ፥ ካብ ኣብ ምድጃ ንላዕሊ ፥ ኣብ ማይክሮዌቭ ዝያዳ ቁጠባዊ ረብሓ ኣለዎ።

ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ፡ ኣብ እንስንክተሉ እዋን ፡ ኣቀዲምካ ፎርኖ ምርሳን ክውገድ ለዎ። ከም ስርዓት ብቀሊሉ ንምዝካር ፡ ብ B ዝጅምሩ ሕብስታት ቢስኩት (Bisuit) ፡ ዝተዳለወ ብሖቅ (Blätterteig ፡ Brandteig...) ኣቐዲሙ እቲ መሰንከቲ ክረስን ኣለዎ።

ኣብ እንስንክተሉ እዋን ፎርኖ ቅድሚ ሓሙሽተ ክሳብ ዓሰርተ ደቓይቕ ብምጥፋእ ዝተረፈ ዋዒ ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ።

ብውዑይ ኣየር ጥራይ ምስንካት (Umluft) ካብ ብላዕለዋይን ታሕተዋይን ሙቐት ምስንካት ዝያዳ ውጽኢታዊ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ሙቐት ካብ 20 ክሳብ 30 ዲግሪ ንታሕቲ ተወሊዑ ከምኡ ድማ ብዙሕ ደረጃታት መሰንከቲ ክትጥቀምን ትኽእል።

ኣብ መስርሕ ምስንካት ማዕጾ ፎርኖ ኣይትኽፈቶ ፣ ምኽንያቱ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ማዕጾ ኣብ ዝኽፈተሉ እዋን ኣስታት 20 ሚእታዊት ናይቲ ሙቐት ይጠፍእ እዩ።

መብራህቲ

ኤል.ኤ.ዴ ኣምፑል እቲ ዝያዳ ቆጣብን ውጽኢታውን እዩ። ነዊሕ ናይ ኣገልግሎት ዕድመ ዘለዎም፣ ዝሓሸ ብርሃን ዘፍርዩን ካብ ጸዓት ዝቑጥቡን ዝያዳ ጸዓት ዘውሕዱን እዮም።

ኣብ ደገን ኣብ ውሽጢን ገዛ ዝርከቡ ብምንቅስቓስ ዝውልዑ ኣምፑል ፥ ልዑል ናይ ጸዓት ምቑጣብ ዓቕሚ ኣለዎም። እቲ ናይ ምንቅስቃስ ምልክት ፥ ነቲ  መብራህቲ ብሓቂ ኣብ ዘድልየሉ እዋን ጥራይ እዮም ዝውልዑ። ዋላ እኳ ብምንቅስቃስ ዝውልዑ ኣምፑል ኣብ ደገ ጥራይ ዝርከቡ እንተነበሩ ፥ ኣብ ውሽጢ ገዛ ፥ ኣብ ኮረድዮ ፥ ኣብ ኣስካላ መደያይቦ ወይ ድማ ኣብ ዓይኒ ምድሪ እውን ትርጉም ዘለዎ ኮይኑ ተረኺቡ። ብምቅስቃስ ዝውልዑ ኣምፑል ክትገዝእ ከለኻ ቆጣቢ ሞዴል እንተደሊኻ፡ ሃልኪ ኃይሊ ኤሌትሪክ ናይቲ ኣምፑል ውሑድ እዩ ፡ ኣብ መዓልቲ ሓደ ዋት ጥራይ እዩ።

ኣብ ተጠንቀቅ ኰነታት

ቴሌቪጅን ፥ ወረቀት መሕተሚት ፥ ወይ ኮምፒዩተር ኣብ ምሉእ ምሉእ ከይጠፍኤ ኣብ ተጠንቀቅ ክግደፍ የብሉን ፥ ብግቡእ ክጠፍእ ኣለዎ። ብዙሕ ሶኬት ፥ መጥፊኢ ዘለዎ ምስ ዝጠፍእ ፥ ሓያሎ መሳርሒታት ኣብ ሓደ እዋን ካብቲ መስመር ክቋረጹ ይኽእሉ። ሓደስቲ መሳርሒታት ፥ ምሉእ ምሉእ ከይጠፍኡ ኣብ ተጠንቀቅ ዘህልኽዎ ኤሌትሪክ ኣዝዩ ትሑት እዩ። ነቲ ኣብ ተጠንቀቅ ኩነታት ከይተጥፈኦ ኣብ ግምት ከተእትዎ ይግባእ ምክንያቱ ምሉእ ብምሉእ ምስ ዝጠፍእ እቲ ዝተዓቀበ ናይቲ ኣቀሓ ቅጥዕታት ስለ ዝጠፍእ።