Beitrag ሓደጋ ሓዊ - እቲ ኣትሒትካ ዝግመት ሓደጋ ናይ ሻሂ መብራህቲ ሽምዓ

ሓደጋ ሓዊ - እቲ ኣትሒትካ ዝግመት ሓደጋ ናይ ሻሂ መብራህቲ ሽምዓ

እቲ ብመልክዕ ልቢ ወይ ከዋኽብቲ እተሰርሑ መብራህቲ ሻሂ ኣዝዮም ምልኩዓት ኢዩም ዝመስሉ ። ብሓቀኛ ትርጉም ናይቲ ቃል ግን ኣዝዮም ሓደገኛታት እዮም።

እቲ ብመልክዕ ልቢ ወይ ከዋኽብቲ እተሰርሑ መብራህቲ ሻሂ ኣዝዩ ምልኩዕ ኢዩ ዝመስል። ብሓቀኛ ትርጉም ቃል ብቃሉ ግን ኣዝዮም ሓደገኛ እዮም።

ኣዳለውቲ መደብ SWR “ማርክቸክ” (ዕዳጋ ምፍታሽ) ኣብ ታሕሳስ 2019 ሳይንሳዊ መጽናዕቲ ንኽካየድ ትእዛዝ ሂቦም። ካብ መብራህቲ ሻሂ ዝተሰርሐ ዓቢ ቅርጺ ኮኾብ ኣብ ቤተ ፈተነ ሓዊ ዩኒቨርሲቲ ዉፐርታል ተፈቲሹ። ኣብ ሓጺር ግዜ ውሽጣዊ ኣካል ናይቲ ቅርጺ ኮኾብ ሙቐት ናይ 250 ግራድ ደይቡ። ከምቲ ኣብዚ ፈተነ ዝተራእየ ፡ እቶም ናይ ሻሂ ሽምዓ መብራህቲ ንሓድሕዶም ተቀራሪቦም ተተወሊዖም ፡ ብቕልጡፍ ናብ ዓቢ ሃልሃልታ ሓዊ ክምዕብል ይክእል እዩ። ስለዚ ከምቲ እቶም ዝሰርሕዎ ፡ ኣብቲ መዕሸጊ ሽምዓ ዝሕብርዎ እንተወሓደ 3 ሰንቲ ሜተር ውሑስ ርሕቐት ክስርዑ ኣለዎም።

ከምዚ ዓይነት ሃልሃልታ ሓዊ ንክጠፍእ ቀሊል ኣይኮነን። ምኽንያቱ እቶም ናይ ሻሂ ሽምዓ ካብ ፓራፊን (ፍርያት ዘይቲ) ንጥረ ነገር ስለ ዝስራሕ ፡ ስለዚ ብቀሊሉ ኡፍ ኢልካ ወይ ብማይ ዝጠፍእ ኣይኮነን። በዚ እውን ከይተረፈ ነዳዲ ስለዝኾነ ብዘይ ቁጽጽር ክላባዕ ይኽእል እዩ። ብኮቦርታ ምጥፋእ እውን ኣይሰርሕን እዩ ፡ ምኽንያቱ ሎሚ ብዙሓት ኮቦርታታት ካብ ሰብ ዝሰርሖ ጽሕጊታት ስለዝስራሕን እዚኦም ድማ ነቲ ሓዊ ተወሳኺ ነዳዲ ስለ ዝይህብዎን።

ፕሮፌሰር ሮላንድ ጎርትዝ ካብ ቤተ ፈተነ ባርዕ ሓዊ ዩኒቨርሲቲ ቩፐርታል ከምዚ ዓይነት ባርዕ ፡ ምስ ዝነድድ ባዴላ ወይ ዘይቲ ዝመልአ መጥበሲ የነጻጽሮ።

ከምዚ ዓይነት ሓዊ ንምጥፋእ ፍሉይ ውጽኢታዊ ዝኾነ መጥፍኢ ሓዊ ኣንጻር ብቅብኣት ዝለዓል ባርዕ ክትጥቀም ይግባእ።

ኣብቲ ገዛ ባርዕ እንተጋጢሙ ክትረኽቦ እትኽእል ትኽክለኛ ትካል ፡ በዓል መዚ መድሕን ገዛ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ብሰንኪ ሸለልትነት ናይ ባርዕ ዕንወት ምስ ዘጋጥም ናይቲ መስርሕ ኣፈጻጽማ ይጎድል። ስለዚ ድማ እዮም ክኢላታት ፡ ሽምዓን መብራህቲ ሻሂን ብዘይ ክትትል ክውልዑ ከይግደፉን ፡ ኣብ ጥቃ ከም ሶፍት ወይ ጨናፍር ጽሕዲ ዝኣመሰሉ ብቐሊሉ ዝቃጸሉ ቦታታት ፈጺምኩም ከይተቐምጦዎም ዝምዕዱ።

ዝኾነ ሰብ ሽምዓ ምጥፋእ ክዝንግዕ ወይ ብዝነድድ ሽምዓ ክድቅስ ዝፍትን ሰብ፡ ኤልኢዲ ዘለዎም ስምዒ ሽምዓታት ክትጥቀም ዝሓሸ ምዃኑ ሓላፊት ኣገልግሎት ምኽሪ ተጠቀምቲ ኮርባክ ሃይዲ ሽናይደር ትመክር።

ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ ወይ ካልእ ኣርእስታት ጉዳያት ተጠቀምቲ ዝምልከት ፡ ኣብቲ ምኽሪ እንህበሉ ማእከል ተጠቀምቲ ይርከብ።