Beitrag ሕጊ ሥርዓት ንስድራቤታት

ሕጊ ሥርዓት ንስድራቤታት

ብሰንኪ ኮሮና ዘስዓቦ ቅልውላው ፡ ናብራ ስድራቤት እውን ተሃስዩ እዩ። እቲ ኣገዳሲ ፡ ብዛዕባ ሥርዓትን ምጽራይን ዝምልከት ፡ ክትዓት ክህሉ የብሉን ። ኣብ ስድራቤት ፡ ሠላም ንኽህሉ ዝሕግዙ ገለ ምኽርታት እነሆ።

ብሰንኪ ኮሮና ዘስዓቦ ቅልውላው ፡ ናብራ ስድራቤት እውን ተሃስዩ እዩ። እቲ ኣገዳሲ ፡ ብዛዕባ ሥርዓትን ምጽራይን ዝምልከት ፡ ክትዓት ክህሉ የብሉን ። ኣብ ስድራቤት ፡ ሠላም ንኽህሉ ዝሕግዙ ገለ ምኽርታት እነሆ።

• ገለ ነገር ተጠቒምካ እንተ ዄንካ ፡ ኣብቲ እተመደበሉ ቦታ መሊስካ ኣቐምጦ።

• ሓደ ነገር እንተ ኣውጺእካዮ ፡ ናብቲ ዘውጻእካዮ ቦታ ምለሶ።

• ሓደ ነገር እንተኸፊትካዮ እንደገና ዕጸዎ።

• ሓደ ነገር እንተ ኣውዲቕካዮ ፡ እንደገና ኣልዕሎ።

• ገለ ነገር ኣውሪድካ እንተ ዄንካ፡ እንደገና ስቀሎ።

• ድሒርካ ገለ ነገር ክትገዝእ እንተደሊኻ ብቕልጡፍ ጽሓፎ።

• ገለ ነገር ክጽገን እንተደሊኻ ብቕልጡፍ ውሰዶ ወይ ነቲ ዘዕርይ ሰብ ኣፍልጦ።

• ሓደ ነገር ከተዐርዮ እንተድኣ ኣድልዩካ፡ ነቲ ኣቕሓ ኣብ ንጹር ዝርኤ ቦታ ኣቐምጦ ፡ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ኣዐርዮ (ናይ ሰሙን መደብ!)

• ከም መመገቢ ጠረጴዛታት ፡ ናይ ጽሕፈት ጠረጴዛታት ፡ ናይ መስኮት ደንደስ ፡ ናይ ክሽነ መስርሒ ጣውላታት ዝኣመሰሉ ንኣየርን ስራሕን ነጻ ምግባር።

• ግዜኡ ዝሓለፎ ነገራት ደርብዮም ፡ ንኣብነት:- ጋዜጣታት ፡ ኣብ ጥቕሚ ዝወዓሉ ፖስታታት ፡ ባዶ መዐሸጊ ፡ ናይ ቆጸራ ወረቐት ፡ ቅብሊት ወዘተ።

• ኣብ መዓልታዊ መደብካ ናይ 20 ደቓይቕ ናይ ጽሬት ግዜ መድብ።